Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትምህርቲ መንግስቲ ስውድን ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ምህናፅ ሓገዝ ንኅገብር ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሚኒስቴር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃ ኑ ነጋ መንግስቲ ስውድን ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ምህናፅ ሓገዝ ንኽገብር ፀዊዖም።

እቶም ሚኒስትር ምስ ኣምባሳደር ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ሃንስ ሄንሪክ ኣብ ህንፀት ዝዓነዊ ኣቢያተ ትምህርቲ  ኣድሂቦም ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ኢዮም እቲ ፃውዒት ዘቕረቡ፡፡

እቶም ሚኒስትር መንግስቲ ስዊድን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ፅሬት ዘለዎም ኣቢያተ ትምህርቲ ሃኒፁ ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝኾኑ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ ደረጀኦም ብዝሓለወ መልክዑ መሊስካ ንምህናፅ መንግስቲ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ትኹረት ንኽህብ ፃውዒት ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣምባሳደር ሃንስ ሄንሪክ ብግደኦም፥ ሃገሮም ትካላት ትምህርቲ ብፅሬት መሊስካ ኣብ ምህናፅ ኣብ መፃኢ ምላሽ ከምትህብ ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ምምትእስሳር ገፅ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.