Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ምሕዝነቶም ንምጥኝኻር ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሸሙ ተፀዋዒ ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክላውድ ጂቢዳርን መሳርሕቶምን ተዛቲየን።

ኣብ ዘተኦም ድማ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም እናገበሮ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምስገን ከምዝኾነ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ኣፍሊጠን።

ምግቢን ሰብኣዊ ናውቲን ፅዒነን ዝጓዓዛ ተሽከርከርቲ ኣብ ምውፋር ዝርከብ እቲ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር፥ ኣድላዪ ሓገዝ እናገበረ ከምዝርከብን እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅን ኣብሪሀን፡፡

ተፀዋዒ ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክላውድ ጂቢዳር ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሕነት እናገበረቶ ትርከብ ጻዕሪ ዝምስገን ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ኣብ ዝግበር ሓገዝ ቀረብ ተሸከርከርቲ ወሳኒ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ ነዚ ኣብ ምዕዋት ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.