Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር እቶት ንከፈልቲ ግብር ኣመስጊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር እቶት ኣብ መንፈቕ ዓመተ 2012 ንዝተመዝገበ ዕዉት ኣፈፃፅማ ልዑል ግብሪ ንዝኸፈሉ ኣካላት ኣመስጊኑ።

እቲ መርሃ ግብሪ ምስጋና፥ ትማሊ ምሸት ከምዝተሳለጠ ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

ሚኒስትር እቶት ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ እቲ ሚኒስቴር ኣብ 2012 ዓ.ም መንፈቕ ዓመት ብር 125 ነጥቢ 7 ቢሊየን ንምእካብ ተሊሙ ብር 127 ነጥብ 5 ቢሊየን ብምእካብ 102 ሚኢታዊ ክዕወት ከምዝኸኣለ ገሊፀን።

እቲ ትልሚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ድማ ብብር 29 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዝዛየደ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ካብ ትልሚ 2012 ዓ.ም በጀት ዓመተት 52 ሚኢታዊ ከምዝተዓወተ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ እዋኖምን ብተኣማኒነትን ትፅቢት ዝግበረሎም ግብሪ ክኸፍሉ ምኽኣሎም እቲ ትልሚ ዕዉት ንኽኸውን ምኽንያት ኮይኑ ኢዩ ኢለን።

ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ 85 ሚኢታዊ ዝኾኑ ከፈልቲ ግብሪ ብፍቓዶምን ብእዋኑን ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ግብሪ ክኸፍሉ ምኽኣሎም ድማ ንምውሳኽ እቶት ኣስተዋፀኦ ምግባሩ ገሊፀን።

ዝቕፅል መንፈቕ ዓመት እውን ብዕዉት ኩነታት ክቅፅል ኢዩ ዝበላ ወይሮ ኣዳነች፥ ከፈልቲ ግብሪ ክሳብ ሕዚ ንዝተፃወቱዎ ግደ ልዑል ምስጋና ኣቕሪበን።

ከፈልቲ ግብሪ ብግደኦም፥ ግብሪ ብገዛ ፍቓድን ብተኣማኒነትን ብምኽፋል ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ልምዓት ንምሕጋዝ ግቡኦም ከምዝፍፅሙ ገሊጾም።

ሚኒስቴር እቶት መርሃ ግብሪ ምስጋና ምድላዉ ከምዘሐጎሶም እውን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.