Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣብ ሓዱሽ ዓመት ጉዕዞኦም ኣፍሪካ ክጉብንዩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዩ ኣብ መጀመርታ ሓዱሽ ዓመት ኣውሮፓውያን ጉዕዞኦም ኣፍሪካ ዑደት ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም።

እቶም ሚኒስትር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 4 ክሳብ 7 ጥሪ ኣብ ዝገብሩዎ ዑደት፥ ኣብ ኤርትራ፣ ኬንያን ኮሞሮስን ዕላዊ ዑደት ከምዝገብሩ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዣኦ ሌጂያን ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ማልዲስን ስሪላንካን ዑደት ክገብሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ርክብ ቻይና ኣፍሪካ ካብ እዋን ናብ እዋን እናጠንከረ ምስ ምምፅኡ ተተሓሒዙ፤ ቻይና ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንትን ካልኦት ምንቅስቓሳትን ዘለዋ ተሳትፎ እናዓበየ ምምፅኡ ይፍለጥ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.