Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ምስ ኮሚሽነር ንግድን ኢንዱስትሪን ሕብረት ኣፍሪካ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ምስ ኮሚሽነር ኮሚሽነር ንግድን ኢንዱስትሪን ሕብረት ኣፍሪካ ኣልበርት ሙቻንጋ ዘቲዮም።

እቲ ዘተ፥ ዓውዲ ግብርናን ኢንዱስትሪን ተመጋጋቢ ብምግባር ብምስራሕ ኢንዱስትሪ ንምዝማን ዘኽእሉ ስራሕቲ  ሓቢርካ ንምስራሕ ዝጠመተ ኢዩ ተባሂሉ።

ብብርኪ ኣህጉር ተዋዲድካ ምስራሕ እወንታዊ ተመክሮታት ካብ ምልውዋጥ ብተወሳኺ ንምዕባሊ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ዘለዎ ረብሓ ዝለዓለ ምዃኑ ኣይተ መላኩ ኣብቲ ዘተ ኣብሪሆም።

ኣልበርት ሙቻንጋ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ ምዃና ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ ኢንዱስትሪ እዛ ሃገር ንምድጋፍ ብምትሕብባር ንምስራሕን ዘለዎም ቁርፀኝነት ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.