Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ መፃኢ ዕለተ ሰሉስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር መፃኢ ዕለተ ሰሉስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣትዉ ተገሊፁ።

ኣብ ፃንሒቶም፥ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካን ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ዝተፈላለያ ሃገራተን ከምዝዛተዩ ተገሊፁ።

ኤምባሲ ሩሲያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ከምዝበሎ፥ ላቭሮቭ ምስ ዲፕሎማታት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝገብርዎ ዘተ ኣብ መንጎ ሩሲያን እተን ሃገራትን ዘሎ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእል ክዛተዩ ኢዮም።

ብተወሳኺ ኣብ ካልኣይ ዙር ጉባኤ ኣፍሪካ-ሩሲያ ከምዝላዘቡ ተገሊፁ።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.