Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጀሪያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

አዲስ አበባ፣ ሃምሌ 21፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጀሪያ ራምታኔ ላማምራ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ኣቀባብላ ገይረናሎም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጀሪያ ራምታኔ ላማምራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ምስ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብተወሳኺ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.