Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጥዕና ብሪታኒያ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፈን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ብሪታኒያ ናዲን ዶሪስ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፋ ተረጋጊፁ።

እተን ሚኒስትር ብዝተገበረለን ሕክምናዊ ምርመራ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዛ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንብሕተን ኣብ መንበሪ ቤተን ንክዕቆባ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ኣብ ብሪታኒያ 382 ሰባት ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ካብዚኦም እቶም ሽዱሽተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ጓል 62 ዓመት ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ናዲን ዶሪስ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ እቲ ምልክት ተራእዩወን ከምዝኸውን ግምታት ይግለፁ ኣለዉ።

ይኹን እምበር ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታ ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ካቢኔ ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ርክብ ከምዘይነበረን ዝሕብሩ መረዳእታታት የለዉን።

ነዚ ስዒቡ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ኣባላት ፓርላማ ምርመራ ከካይድ ይሓስብ ከምዘሎ ይግለፅ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.