Fana: At a Speed of Life!

ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ክልተ ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 32 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ጋንታታት ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ዝገበረኦ ፀወታ ጨዋታ 2 ን 2 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ፡፡

ኣብዚ ሰሙን ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ኣብ ሜዳኣ ዝተፃወተት ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ብሩኖ ፈርናንዴዝን ኮቢ ማይኑን ሸቶታት እንተመዝግቡ÷ ንሊቨርፑል ድማ ሉዊስ ዲያዝን ሞሓመድ ሳላህ (ብፍፁም ቅላዕ)ን ኣመዝጊቦምወን።

እቲ ውፅኢት ስዒቡ፤ ሊቨርፑል ነቲ ሊግ እናመርሐት ካብ ትርከብ ጋንታ ኣርሴናል ብማዕረ 71 ነጥቢ ብሸቶ ተበሊፃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክትቅመጥ ክኢላ።

ነጥባ 49 ዘብፀሐት ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ትርከብ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.