Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ን120 ነበርቲ 25 መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ን120 ነበርቲ 25 መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪቡ።

እቶም መንበሪ ኣባይቲ፥ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆሰስ ፍሉይ ሽሙ ጨርቆስ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ኣፀጋሚ ናብራ ንዝነበሩ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ተሓሲቦም ኮንትራክተራት ብምትሕብባር ዝተሃነፁ ገዛውቲ ኢዮም።

ምክትል ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ እቶም መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዘረከቡሉ እዋን፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንናብራ ምቹዋት ዝኾኑ መንደራት መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ኩሉ ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ናይ ምቕራብ ስራሕቱ ኣበርቲዑ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

እቶም ምክትል ከንቲባ ነቶም ገዛውቲ ዝሃነፁ ኮንትራክተራት ዘመስገኑ እንትኾኑ፥ ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምዃን ኣብቶም መንበሪ ኣባይቲ ዑደት ኣካይዶም።

እቶም መንበሪ ኣባይቲ፥ እኹል ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ሓዊሱ ሽቓቕን ናይ ሓባር መብሰሊ ምግቢ ቦታን ዘለዎም ምዃኖም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.