Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዞባ ኮንሶ 50 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ሓገዝ ዓይነት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015( ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዞባ ኮንሶ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል 50 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ሓገዝ ዓይነት ገይሩ።

እቲ ሐገዝ ካብ ሰብ ሃፍቲ እታ ከተማ ዝተኣኻኸበ እንትኸውን፥ ዝተፈላለዩ ሃነፅቲ ምግቢታት ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ እቲ ሓገዝ ኣብ ዘረከባሉ እዋን፥ “ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዞባ ኮንሶ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ጎኖም ምዃንና ንምርኣይ ኢዩ” ኢለን።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታን ኢንፎርሜሽን ሰለሞን ሶካ ብግደኦም፥ እቲ ምምሕዳር ከተማ ንዝገበሮ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

ኣብ ቀፃሊ ዝግበሩ ሰብኣዊ ሓገዛት ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ እውን ሓቲቶም።

ኣብ ዞባ ኮንሶ ብዘጋጠመ ድርቂ ልዕሊ 227 ሺሕ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ተገሊፁ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.