Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ መርሃ ግብሪ ምስጋናን ኣፍልጦን ንኣካላት ፀፅታ፣ ድሕንነትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣2 ጥቅምት፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል መስቀልን ኢሬቻን ብሰላም ንክኽበር ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ፀፅታ፣ ድሕንነትን መዳርግቲ ኣካላትን ፍሉይ መርሃ ግብሪ ምስጋናን ኣፍልጦን ኣካይዱ።

እቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ፓርክ ሕውነት ትማሊ ኢዩ ተሳሊጡ።

በዓል መስቀልን ኢሬቻን ብሰላም ንክኽበር ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ፀፅታ፣ ድሕንነት፣ ትካላት ሃይማኖት፣ መራኸብቲ ሓፋሽን መዳርግቲ ኣካላትን ኢዩ እቲ ምስጋናን ኣፍልጦን ተዋሂቡ።

ኣብቲ ምድላው ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣደም ፋራን ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ምክትል ከንቲባ ኣዳነሽ ኣበቤ፣ ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሚኒስትራት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣባገዳታት፣ ኣካላት ፀፅታን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላት ተረኺቦም።

ብዘቢብ ተኽላይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.