Fana: At a Speed of Life!

ምስ ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ናብ ቻይና ዝግበር በረራ ምቁራፅ ውሕስና ኣይህብን – ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ ክቋረፅ መምግባሩ ንዝርገሐ እቲ ቫይረስ ውሕስና ከምዘይኸውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ገሊፆም።

እቲ መገዲ ኣየር ምስ ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ናብ ቻይና ዝገብ በረራ ከምዘየቋርፅ እውን እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብዙሓት ዓለም ለኸ ስለዝገብር፥ ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ ጥራሕ ክቋረፅ ምግባር ውሕስና ከምዘይህልዎ ገሊፆም።

ናብ ቻይና ዝግበር በረራ ዋላ እንተትቛረፀ እቲ ቫይረስ ኣለወን ተባሂለን ናብ ዝተጠርጠራ ካልኦት ሃገራት እውን በረራ ስለዝገብር ካብ ስግኣት ናፃ ምዃን ኣይከኣልን ዝበሉ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፥ እቲ መገዲ ኣየር ብመልክዕ ትራንዚት ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመፅኡ ብዙሓት ቻይናውያን ከምዘጓዓዕዝ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ዋና መፍትሒ ኣብ ጥዕና ዓማዊልን ሰራሕተኛታትን ብርቱዕ ጥንቃቐ ምግባር ጥራሕ ኢዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል፥ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌን እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝበፅሐለን ከባቢታትን ልዑል ስራሕቲ ቁፅፅር እናተገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

እቲ መገዲ ኣየር፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ክልከላ ጉዕዞ ምግባር ኣይግባእን ብዝብል ዘቕረቦ ማዕዳ ከምዘኽብር እውን ገሊፆም።

70 ሚኢታዊ ቻይናውያን ብመልክዕ ትራንዚት ኣዲስ ኣበባ ረጊፆም ከምዝሓልፉ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ ብምግላል መፍትሒ ክመፅእ ከምዘይኽእል ምርዳእ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ቅድሚ ሕዚ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፥ እቲ መገዲ ኣየር ዝገብሮ በረራ ከምዘየቋረፀ እውን ኣዘኻኺሮም።

መገዲ ኣየር ኢትጵያ ኣብ ሰሙን 35 ግዘ ናብ ቻይና በረራይገብር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.