Fana: At a Speed of Life!

ምስ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፕሮጀክት መገዲ ባቡር ኣዋሽ – ኮምቦልቻ – ሃራ ገበያ ተታሓሒዙ ኣብ ሞንጎ ትካላት ዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ዕልባት ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምስ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፕሮጀክት ዝርገሐ መገዲ ባቡር ኣዋሽ – ኮምቦልቻ – ሃራ ገበያ ተታሓሒዙ ኣብ ሞንጎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ምድሪ ባቡርን ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምስምዕማዕ ብመንግስቲ ዕልባት ረኺቡ።

390 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ፕሮጀክት መገዲ ባቡር፥ ቀዳማይ ዙር ህንፀቱ ምስተዛዘመን ፈተነ ምስገበረን ብምኽንያት ዘይምምላእ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዝተሓሰበ ግዘ ግልጋሎት ክህብ ኣይከኣለን።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ትካላት ዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ድማ እቲ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብእዋኑ ከይቐርብ ገይሩዎ ፀኒሑ ኢዩ።

ኣብዚ ሰሙን መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ዘእተወ እንትኸውን፥ ጉዳይ በጀት እቲ ፕሮጀክት መፍትሒ ዝህብ ውሳነ እውን ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ንመሸፈኒ ተረፍ ስራሕቲ እቲ ፕጀክት ዝኸውን ወፃኢ ካብ ግምጃ ቤት መንግስቲ ክወሃብን ንመራኸቢ እቶም መስመራት ዝውዕል ሓይሊ ንምግዛእ ድማ ሓይሊ ኤሌክተሪክ ኢትዮጵያ ጨረታ ኣውፂኡ ስርሑ ንኽጅምርን ኣብ ስመምዕነት ተበፂሑ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዘድሊ ወፃኢ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ወፃኢ ዝግበር እንትኸውን፥ ኮርፖሬሽን ምድሪ ባቡር ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ዕዳ ከምዝኸፍል ተገሊፁ።

ኣብ ኣዋሽ – ኮምቦልቻ – ሃራ ገበያ ዝተሃነፀ ፕሮጀክት መገዲ ባቡር መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ንምምላእ፥ 37 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ የድልዮ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.