Fana: At a Speed of Life!

ምትሕብባር ከባቢ ዶብ ክብ ምባል ዞባዊ ምቅርራብ ዕላዊ ኣብ ምግባር ይሕግዝ-ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምትሕብባር ከባቢ ዶብ ክብ ምባል ዞባዊ ምቅርራብ ዕላዊ ኣብ ምግባር ይሕግዝ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ኣኼባ እዋን ፅድያ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን(ኣይ ኤም ኤፍ) ጎኒ ንጎኒ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስትራት ኢኒሼቲቭ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ተሳቲፎም።

ኣብቲ እዋን ምትሕብባር ከባቢ ዶብ ክብ ኣብ ምባልን ኢጋድ ዝሓዞም ነቲ ዞባ ንምትእስሳር ዝሓዞም ትልሚታት ዕላዊ ንምግባርን ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ዞባ ዝረኣዩ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ንምምካት ኣባላት እቲ ኢንሸቲቭን መዳርግቲ ኣካላትን ዝተዋደደ ፃዕሪ ክገብሩ ከምዝግባእ እውን ምግላፆም ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.