Fana: At a Speed of Life!

ምንቅስቓስ ርክብ ወፃኢ ኣብ ኢኮኖሚን ፖለቲካዊ ዲፕሎማሲ ትኹረት ከምዝወሃብ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምንቅስቓስ ርክብ ወፃኢ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካዊን ባህሊን ዲፕሎማሲ ትኹረት ከምዝወሃብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ምክትል ጠቅላይ ሚኒስትርና የውጭ ጉዳይ ሚኒስትር አቶ ደመቀ መኮንን በውጭ ግንኙነት እንቅስቃሴ ለኢኮኖሚ፣ ፖለቲካና የባህል ዲፕሎማሲ ትኩረት እንደሚደረግ ተናገሩ፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን÷ ኣብ ማእኸል ልህቀት ኣፍሪካ ንሓለፍቲ ስራሕ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢን ተፀዋዕቲ ትካላትን ከምኡ እውን ንመራሕቲ ሚሲዮን “ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተለወጠ ኣሰላልፋ ዓለም” ብዝብል መብርሂ ኣቕሪቦም፡፡

በዚ ድማ ንኢኮኖሚ፣ ፖለቲካ፣ ባህሊን ስፖርትን ትኹት ተገይሩ ከምዝስራሕን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ቁልፊ ሃገራዊ ትካላት ንወፍሪ ዕዉት ስራሕ ኣዋዲድካ ምጥቃም ከምዝግባእን ተዛሪቦም።

ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ዓለም ለኻዊ ፈተናታት ንኽሳገር ካብ ውሽጣዊ ጭቡጥ ኩነታት ብምብጋስ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራ ብምድሃብን ኣብ ሓሳብ ዞባዊን ፓን ኣፍሪካን ፍሉይ ትኹት ብመሃብ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻትን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ናይ ምሕላው ስራሕ ከምዝስራሕ ገሊፆም፡፡

ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ብተመሳሳሊ መገዲ ብምስራሕ ፍሉይ ለውጢ ምምፃእ ከምዘይከኣል ዝሓበሩ እቶም ሚኒትር÷ ዲፕሎመሳኛታት ሞያዊ ክእለቶም በቢእዋኑ ብምድንፋዕ ፈተናታት ብብቕዓትን ብፅንዓትን ንምስጋር ኩሉ እዋን ኣቐዲሞም ንኽዳለዉ ኣተሓሳሲቦም።

ኢትዮጵያ ውሕመ ሓዊሱ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻት ብብቕዓት ብምጥቃም ዝተጠናኸረ ስራሕ ከምትሰርሕ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ ኩሎም ሚሲዮናት ዝተዋደደ ስራሕቲ ዲጂታልን ፐብሊክን ዲፕሎማሲ ክሰርሑ ከምዝግባእ ምሕባሮም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.