Fana: At a Speed of Life!

ምክላል ምምሕዳር ወሰን ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክላል ምምሕዳር ወሰን ኣዲስ ኣበባን ፍሉይ ዞባ ክልል ኦሮሚያ ከባቢ ፊንፊነን ተረባሕነት ህዝቢን ዘላቒ ሰላምን ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ምክላል ብዘይምፍፃሙ ቅድመ ሐዚ ሀዝቢ ቅርታኡ የቕርብ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር መዓርግ ኣተሓባባሪ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ዶክተር ግርማ ኣመንቴ፥ ምክላል ምምሕዳር ወሰን ኣብ ክልቲኡ ወገን ስራሕቲ ልምዓት ንምቅልጣፍ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥራቱ በየነ ብግደኦም፥ እቲ ምክላል ንብዙሕ ዓማውቲ ዝፀንሐ ሕቶ ህዝቢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኦሮሚያ ሓላፊ ውዳበ ፖለቲካ ከተማ ኣይተ ሳዳት ነሻ፥ ምክላል ምምሕዳር ወሰን ተረባሕነት ህዝቢ ክልቲኡ ወገን ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.