Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዴንማርክ ጄፔ ኮፎድ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዴንማርክ ጄፔ ኮፎድ ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣይተ ደመቀ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝውሰድ ዘሎ ምኽባር ሕጊን መሊስካ እግሪ ናይ ምትካል ስራሕቲን መብርሂ ሂቦም።

እቲ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ምዝዛሙን መንግስቲ ነቲ ክልል መሊስካ እግሪ ናይ ምትካል ስራሕ ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ከምዘሎን ኣረዲኦም።

ኣብቲ ከይዲ ምስ ሕጋዊ መንግስቲ እቲ ክልል እናተዘራረብካ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ገበነኛታት ብምህዳን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ብትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ዓለም ለኻዊ ደገፍ ወሃብቲ ትካላት ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብቕርበት ይሰርሓ ብምህላወን እውን አመስጊኖም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዴንማርክ ጄፔ ኮፎድ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንእትገብሮ ዘላ ሰብኣዊ ደገፍን መሊስካ እግሪ ናይ ምትካል ስራሕቲን መንግስቶም ከምዝድግፍ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ንእተካይዶ ሃገራዊ ምርጫ ንምሕጋዝ ሃገሮም ድልውቲ ከምዝኾነት ምዝራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.