Fana: At a Speed of Life!

ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታን ዘረባታት ፅልኢን ይጋደድ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታን ዘረባታት ፅልኢን ይጋደድ ኣሎ ክብል በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ምውዛዕ ስኑዕ ሓባሬታን ዘረባታት ፅልኢን ዘለሉ ኩነታት ዝጠመተ ፀብፃብ መፅናዕታዊ ዳህሳስ ኣቕሪቡ።

ብመሰረት እዚ እቲ ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታን ዘረባታት ፅልኢን ብዝምልከት ብኽልተ መገዲታት ምእካቡ ገሊፁ።

ንሳቶም እውን፥ ፈላማይ ብፌስቡክ፣ ቲክቶክ፣ ቴሌግራም፣ ዩ-ቲዩብን ኤክስን ከምዝተኣከበ ኣብሪሁ።

ካልኣይ ድማ፥ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ዝተዘርገሐ መሕትትን ናፃ መስመር ስልኪን ብመጥቃም ከምዝተኣከበ ገሊፁ።

ናይዚ ምግዳድ፥ ብፍላይ ኣብ ውልቀ ሰባትን ደሕንነት ህዝብን ሓደጋ ዘንፀላለወ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ካብ መንጎ እቶም ፍልፍላት ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታን ዘረባታት ፅልኢን፥ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣክቲቪስታት፣ ፖለቲከኛታት፣ ፍልፍላት ማሕበራዊ ትሕዝቶታት ወልቀ ሰባትን ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ።

ኣብ 6 ኣዋርሕ ኣብ ዝተገበረ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ፥ ናይ ጭካነ ኣገላልፃ ዝረኣየሉ ምውዛዕ ሓበሬታ ብልዑል ኩነታት ዝውስኸሉን ብፍላይ ብቴሌግራም 65 ሚኢታዊ ብፅሒት ምውዛዕ ከምዘለዎን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.