Fana: At a Speed of Life!

ምዝገባ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምዝገባ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝጅመር ሚኒሰስትር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ምዝገባ ካብ 16 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ኩለን ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝካየድ ኢዩ እቲ ሚኒስትር ግሊፁ ዘሎ።

ከይዲ ምዝገባ ፈተና ብዝተቐላጠፈ ኩነታት ንምክያድ ድማ ብዝተዳለወ ሶፍትዌር ምዝገባ ንዘካይዱ ሰብ ሞያታት ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጅ ኣብ ክልላት ስልጠና ከምዝተውሃበ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2012 ዓ.ም ብኦንላይን ቐጥታ ኢንተርኔት ከምዝወሃብ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.