Fana: At a Speed of Life!

ሞት ዜጋታት፣ ምምዝባልን ንብረት ምዕናውን ጠጠው ዝብለሉ ኩነታትን ዝተጎድኡ ወገናት ብዘላቐነት ክጣየሹ ንምግባርን ዝሰርሕ ጉጅለ ንኽጣየሽ ውሳነ ተመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት 8ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ።

ኣብ ኣኼቡኡ ድማ ኣብ ዞባ መተከል ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝረአ ሞት ዜጋታት፣ ምምዝባልን ምዕናው ንብረት፣ ጠጠው ዝብለሉ ኩነታትን ዝተጎድኡ ወገናት ብዘላቐነት ክጣየሹ ንምግባርን ዝሰርሕ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተውፃእፀአ ርእሱ ዝኸኣለ ጉጅለ ንኽጣየሽ ውሳነ ተመሓላሊፉ።

እቲ ዝጠየሽ ጉጅለ ዝበፅሑ ጉድኣታትን በቢእዋኑ ዝረአ ለውጢን እናተኸታተለን እናገምገመን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ውሳነ ሓሳብ ዘቕርብ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሉኡ፥ ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከልን ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብኣብዘሓ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡

መንግስቲ ዝተፈጠረ ፀገም ደው ክብል ንምግባርን ዝተጎድኡ ዜጋታትን ንምሕጋዝ ከምኡ እውን ጥፍኣተኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ናይ ባዕሉ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

ቅትለት ንፁሃን ዜጋታት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ምምዝባልን ዕንወት ናውቲን በህፁፅ ደው ክብል ዘይከኣለ ሕቡእ ዕላማ ፖለቲካ ብዘለዎም ኣካላት ኣብ ውሽጢ ሕገ መንግስታዊ ሕቶ ብዘእተወ መገዲ እንትንዛሕ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ ፅልእን ባህጊ ዝተፈላለዩ ፖለቲካን ዘለዎም ናይ ውሽጢን ግዳምን ሓይሊታት ጥፍኣት ኣብ ውሽጢ መሓዉር መንግስቲ ዝርከቡ ዝተወሰኑ ኣመራርሓታት ፅንፈኛ ሚዲያታት ብምጥቃም መንግስቲ ንምድኻምን ዝተጀመረ ሃገራዊ ለውጢ ንምዕጋትን አንትሰርሑ ከምዝፀንሑ ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ጭብጥታት ተኻቲቶም።

ኣብ ውሽጢ እቲ ውሳነ ሓሳብ ድማ መንግስቲ ናይቲ ሕብረተሰብ ዝፀንሐ ሓድነት ንምቕፃል ህዝቢ ዘሳተፈ ተኸታታልነት ዘለዎ ስራሕቲ ፖለቲካን ዘተ ህዝብን ክገበር ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ፍትሓዊ ተረባሕነት ህዝቢ ምርግጋፅ ትኹረት ክግበረሉ ከምዝግባእ እውን ተገሊፁ።

መራኸብቲ ሓፋሽ ስርዓት ተቐቢሎም ንክሰርሑ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላዪ ክትትል ብምግባር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዝጥሕሱ ተሓታትነት ምርግጋፅ፣ መነግስቲ ዝጀመሮ ተመዛበልቲ ዜጋታት ናይ ምድጋፍ ስራሕ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ናብ መረበቶም ክምልሶምን ብዘላቕነት እግሪ ናይ ምትካል ስራሕ ክሰርሕን ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፥ መንግስቲ ኣብ ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም ብስሩዕ ሕጊ ንምቁፅፃርን ደው ምባልን እንተዘይክኢሉ ሕጊን ስርዓትን ንምኽባር ካሊእ ህፁፅ ኣዋጅ እንተይኣድለየ ኣብ ክልል ትግራይ ተኣዊጁ ዝነበረ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ብምስፋሕ ኣብቲ ዞባ እውን ተግባራዊ ንክገበርን ዝተጀመረ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ምፍፃም ይከኣል ኢዩ ኢሎም።

እቲ ቤት ምኽሪ ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ ብኣርባዕተ ተቓውሞን ክልተ ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ግምፂ ኣፅዲቑዎ።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.