Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ትውልዲ ከተማ ፕሬዚዳንት ዩክሬን መጥቃዕቲ ሚሳኤል ከምዝፈፀመት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ትውልዲ ከተማ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዜለንስኪ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ከምዝፈፀመት ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ክሪቪ ሪህ ዝተፈፀመ እንትኸውን፥ ክሳብ ሐዚ ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሓለፈ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

በቲ ሎሚ መዓልቲ ንጎሆ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 30 ሰባት እውን ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት በፂሑዎም ኣሎ ተባሂሉ።

ፕሬዚዳንት ዜለንስኪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዩክሬን ንሩሲያ ኢድ ኣይትህብን ኢሎም።

ንሕድሕድ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ሩሲያ ተሓታቲት ክንገብር ኢና ምባሎም ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.