Fana: At a Speed of Life!

ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ዘስዐቦ ሓደጋ ውሕጅ ብዙሕ ጉድኣት የብፅሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ኣብዚ ዓመት ብዝተፈለየ ምልክዑ ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ዘስዐቦ ሓደጋ ውሕጅ ብዙሕ ጉድኣት የብፅሕ ኣሎ።

እቲ ሩባ ኣንፈት ኣብ ዝሰሓተሉ ክልል ዓፋር ድማ ዜጋታት ንኽመዛበሉን ንብረቶም ከዓኑን ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ዝባፅሑ ዝራእቲ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ገይሩዎም ኢዩ።

ኣብ ሓንቲ ወረዳ ጥራሕ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅን ምዕልቕላቕን ኣብ ልዕሊ 14 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝነበሩ ዝባፅሑ ዝራእቲ ከዕኑ ክኢሉ ኢዩ።

ፍርያት ሽኮር ኣገዳን ጡጥን ድማ ብልዑል ብርኪ ጉድኣት ዝበፅሖም ዝራእቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

መብዛሕትኦም ኣብ ጥቕሚ ወፃእ ዝኾኑ ዝራእቲ ዝባፅሑን ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሮም ክእከቡ ዝነበሩን ፍርያታት ከምዝኾኑ እውን ተሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ በቲ ዘጋጠመ ዕንወት ኣብ ልምዓት ሕርሻ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲን ሓረስቶትን ንልዑል ፀገም እናተቓልዑ ምዃኖም ተገሊፁ።

ትካል ልምዓት ሕርሻ ማእኸላይ ኣዋሽ ኣሚባራ ጥራሕ ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዝግመት ንብረት ክዓንዎ ክኢሉ ኢዩ።

ኣብቲ ትካል ብዝተፈላለየ መገዲ ተቖፂሮም ዝሰርሑ ልዕሊ 5 ሺሕ ሰራሕተኛታት ስራሕ ከምዝፈትሑ እውን ተገሊፁ።

እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ መንግስታት ክልልን ፌዴራልን ልዑል ርብርብ እናገበሩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.