Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ፕሬዚዳንት ፎርማጆ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ኣቡዱልፈታህ ኣብዱላሂ ደብዳቤ ሽመቶም ንፕሬዚዳንት ሶማሊያ መሓመድ ፎርማጆ ኣቕሪቦም።

ፕሬዚዳንት ፎርማጆ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ዞባዊ ምትሕብባርን ስትራቴጂካ ምሕዝነትን ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ምግላፆም እውን ኣቐባሊ ቃል መንግስቲ ሶማሊያን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚዲያ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙሓመድ ኢብራሂም ሞዓሊሙ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ኣቡዱልፈታህ ኣብዱላሂ ደብዳቤ ሽመቶም ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፥ ካብ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝተለኣኸ መልእኽቲ ንፕሬዚዳንት ፎርማጆ ኣቕሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር ርክብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ምጥንኻር ኣድላዪ ከምዝኾነን ሉኣላውነት ክልቲአን ሃገራት ምሕላው ኣድላዪ ከምዝኾነን ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.