Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ክልላት ትግራይን ላዝዮን ክብ ንምባል ዘኽእል ስምምዕነት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሃገረ ጣልያን ፕረዚደንት ክልል ላዝዮ ፍራንሲስኮ ሮካ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ጣልያን ምስ ትግራይ ንእትገብሮ ሰናይ ስምምዕነት ልምዓትን ምትሕብባርን ብልዑል ኣኽብሮት ብምቕባል ንቐፃሊ ርክብ ትግራይን ጣልያንን ብፍላይ ድማ ምስ ክልል ላዝዮ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ኣመራርሓ ክልቲአን ክልላት ኣብ ቀፃሊ ብሓባር ክሰርሓሉ ኣብ ዝኽእላሎም ዓውዲታት ስምምዕነት ዝተፈራረሙ እንትኾኑ÷ ጣልያን ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ባህልን ቱሪዝምን፣ መሰረተ ልምዓትን ሕርሻግ ድጋፍ ንኽትገብር ሓቲቶም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ÷ ፕረዚደንት ክልል ላዚዮ ፍራንሲስኮ ሮካ፣ ኣማኻሪት ፖለቲካዊ ዲፕሎማሲ ፕረዚደንት እታ ክልል፣ መተሓባበሪ ሳይንስ ዩኒቨርስቲ ላ ስፔይንዛ፣ ሓላፊ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ክልል ላዚዮን ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያን ዝሓዘ እዩ።

ቀንዲ ዕላማ እዚ ልኡኽ ጉጅለ፤ ቅድም እንትብል ንትግራይ ክገብርዎ ዝፀንሑ ናይ ጥዕና ሓገዛት ኣጠናኺርካ ብምቕፃል ኣብ ዓውዲ ጥዕና፣ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲን ትምህርትን ብፍላይ ኣብ ስልጠናን ትምህርትን መሰረት ዝገበረ ሓገዝ ንምግባርን እዚ ድማ ብስምምዕነት ንምፍርራምን ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.