Fana: At a Speed of Life!

ሰለስተ ትካላት ልምዓት ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ ብር 200 ሚሊየን ኣትሪፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘፈር ምፍራይን ሓይሊን ዝተዋፈሩ ሰለስተ ትካላት ልምዓት ኣብ መፋርቕ ዓመት ልዕሊ ብር 200 ሚሊየን ኣትሪፎም።

ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ምሕደራን ትሕዝቶን ትካላት ልምዓ መንግስቲ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ትካላት ልምዓት እቶም ሰለስተ ትካላት ልምዓት ብር 117 ነጥቢ 6 ሚሊየን ከስቢ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ ኣሎ።

እቶም ትካላት ልምዓት ትካል መሐተሚ ብርሃንን ሰላምን፣ ብሄራዊ ፋብሪካ ኣልኮልን ኣረቂን ከምኡ እውን ማሕበር ኣክሲዮን ፐልፕልን ወረቐትን እንትኾኑ፥ ብር 665 ነጥቢ ሚሊየን መሸጣ ብምስላጥ ዝረኸቡዎ ኣታዊ ከምዝኾነ ተፈሊጡ፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም ሰለስተ ትካላት ብሄራዊ ፋብሪካ ኣልኮልን ኣረቂን መሸጣ ወፃኢ ዝገብር እንትኸውን፥ 200 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ንምርካብ ተተሊሙ 342 ሺሕን 556 ዶላር ኣሜሪካ ምርካብ ተኻኢሉ፡፡

ኣብ ዝተገበረ ግምገማ፥ ኣፈፃፅማ ኦፕሬሽን፣ ፋይናንስ፣ ትልሚ ፕሮጀክትን ናይ ቀፃሊ ኣንፈትን ትኹረት ተገይሩሎም ምርኣዮም ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ነቲ ግምገማ ዝመርሑ ዋና ዳይሬክተር ኣይተ ሃብታሙ ሃይለሚካኤል፥ ኣብቲ ዝተዛዘመ መንፈቕ ዓመት ንዝተረኸበ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ምስጋና ኣቕሪቦም፤ እዚ ድማ ኣብ ዝተረፉ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት እውን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ብምግባር እተን ትካላት ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ትልሚ ንኸመዝግባ ኣንፈት ሂቦም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.