Fana: At a Speed of Life!

ሰለስተ ዳያኑ ኩዕሾ እግሪ ካብ ፕሪሜር ሊግ ተሰናቢቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ወላይታ ዲቻን ኢትዮጵያ ቡናን ክሲ ተመስሪቱዎም ዝነበሩ ሰለስተ ዳያኑ ኣብ ዝተረፉ ውድድራት ፕሪሜርሊግ ከይዳንዩ ተኣጊዶም።

ኣብ መበል 24 ሰሙን ፀወታ ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ምስ ሃዲያ ሆሳእና ዝገበረኦ ፀወታ ብዋና ዳይነት ዝመርሑ ፌደራል ዳኛ ሚካኤል ጣዕመ ኣብ ልዕሊ ተፃዋቲ ዘየድሊ ቃላት ከምዝተጠቐሙ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ክሲ ምቕራባ ይዝከር፡፡

ነቲ ጉዳይ ዝተመልከተ ኮሚቴ ብሄራዊ ዳያኑ እቲ ዳይና ጥፍኣተኛ ኮይኖም ስለዝረኸቡዎም ካብ ፀወታ ፕሪሜርለግ ተሰናቢቶም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ወላይታ ዲቻን ሲዳማ ቡናን ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ወላይታ ዲቻ ዘይተገበአ ፍፁም ቅላዕ ከምዝተውሃበን ዝተውሃበ ፍፁም ቅላዕ ሓላዊ ሽቶ ጋንታ ሲዳማ ቡና መስመሩ ለቒቑ ከምዘድሐና ብምግላፅ ዳይና እቲ ዕለት ተሓታቲ ገይሩ፡፡

ነቲ ክሲ ዝተመልከተ እቲ ኮሚቴ ብግድኡ፥ ነቲ ፀወታ ዝመርሑ ኢንተርናሽናል ዋና ዳኛ ለሚ ንጉሴን ረዳት ዳኛ ኣብዱ ይጥናን ኣብ ዝቕፅሉ ፀወታታት ከይመርሑ ብዝብል ካብቲ ውድድር ምስንባቱ ሶከር ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.