Fana: At a Speed of Life!

ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ንክቕፅል ኢትዮጵያ ዘርኣቶ ቁርፀኝነት ንንእድ-ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ  ክርስቶፌ ሉቱንዱላ ኣብ ክልቲኣዊ ግዳያት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተኦም ብምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምቕፃል ኣብ ክሊ ዘኽእል ዝዕባ ዘድሃበ ኢዩ።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ከይዲ ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ መንግስቲ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝተጫወቶ ናይ መሪሕነት ግደ ንኢደም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ እቲ ድርድር ንምስታፍ ዘለዋ ድልውነት ኣረጋጊፆም፡፡

ፍትሓዊን ምኽንያታዊን ኣጠቓቕመ ማይ  ንክነግስ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ፅኑዑ ድልት ገሊፆም።

ክርስቶፌ ሉቱንዱላ ብግደኦም÷ ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ንክቕፅል ኢትዮጵያ ዘርኣቶ ቁርፀኝነት ንንእድ ኢሎም።

ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ንኣፍሪካዊ ፀገማት  ኣፍሪካዊ መፍትሒ  መርህ ኣጥቢቓ ከምእትኣምን ገሊፆም።

እቲ ድርድር በዚ መትከል ክምራሕ ከምዘለዎ ንኣምን ምበሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብነዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.