Fana: At a Speed of Life!

ሰላም ኢትዮጵያ ንድሕንነት ቀርኒ ኣፍሪካ ወሳኒ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ መለስ ኣለም ኣብ ኬንያ ናይ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብመዓርግ ምክትል ዋና ፀሓፊ ዳይሬክተር ጀነራል ምስ ዝኾና ሃዋ ባንጉራ ተዛቲዮም።

ዳይሬክተር ጀነራል ሃዋ ባንጉራ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ንድሕንነት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላም ንኸዓስል ንእትገብሮ ፃዕሪ ኣመስጊነን፡፡

ኣምባሳደር መለስ ብተመሳሳሊ ምስ ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ኬንያ እርክ ላንድበርግን ኣምባሳደር ብሩንዲ ኣብ ኬንያ ሃቦማና ኢቪሊን ተዛቲዮም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፊንላንድን ጥንኩር ምሕዝነት ከምዘሎ ዝተገለፁ ኣምባሳደር እርክ ላንድበርግ፥ እዚ ንምጥንኻር ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምስ ኣምባሳደር ኢቪሊን ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ ኢትዮጵያን ብሩንዲን ተፋሰስቲ ሃገራት ናይል ስለዝኾና፥ ምስ ዝተረፋ ተፋሰስ ሃገራት ኣብ ዝግበር ምትሕብባር ሃናፂ ግደ ክፃወታ ኣብ ዝኽእላሉ ጉዳይ ተዛቲዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.