Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ሚሳኤል ባላስቲክ ናብ ባሕሪ ኣወንጪፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮሪያ ሚሳኤል ባላስቲክ ብዕዉት ኩነታት ናብ ባሕሪ ከምዘወንጨፈት ኣፍሊጣ።

መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኮንፈረንስ ገዛኢ ፓርቲ እታ ሃገር ወታደራዊ ዓቕሚ ዝበለፀ ንምዕባይ ቃል ምእታዎም ይዝከር፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ጲዮንጊያንግ ኣብዚ ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብ ምብራቓዊ ጠረፍ ባሕሪ እታ ሃገር ዕዉት ምውንጫፍ ባላስቲክ ሚሳኤል ከምዘካየደት ተሓቢሩ፡፡

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ደቡብ ኮሪያ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ህፁፅ ኣኼባ ዝገበረ እንትኸውን፥ ኣብ ኣኼቡኡ ድማ ሰሜን ኮሪያ ኣብ ጠረፍ ባሕሪ ዝተወንጨፈ ሚሳኤል ንደቡብ ኮሪያ ስግኣት ድሕንነት ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ ብግደኦም፥ ሰሜን ኮሪያ ዝደለየቶ ዓይነት ሚሳኤል ክተውንጭፍ ከምትኽእል ብምግላፅ፤ ኣብቲ ጉዳይ ዝኾነ ይኹ ስግኣት ድሕንነት ከምዘይብሎም ምግላፆም ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.