Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ ባላስቲክ ሚሳኤል ከምዘወንጨፈት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮሪያ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ ባላስቲክ ሚሳኤል ከምዘወንጨፈት ኣዛዚ ጥሙር ሓይሊ ደቡብ ኮሪያ ገሊፆም።

እታ ሃር ሚሳኤል ዘወንጨፈት÷ ሃዋሳል-1 ኣር ኤ-3 ዝተብሃለ ስትራተጂካዊ ዓቕሚ ክሩዝ ሚሳኤልን ፈተነ ሓዱሽ ፒዮልጂ-1-2 ፀረ-ኣውሮፕላን ሚሳኤልን ምስገበረት ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲታት ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ባለስቲክ ሚሳኤላት ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ቁፅፅር ዝግበረሎም ይኹኑ እምበር÷ ኣብ መጀመርተ እዚ ወርሒ ጥራሕ ፈተነ ማእኸላይ ርሕቐት ሃይፐርሶኒክ ሚሳኤል ካብ ዝጅመር 20 መዓልቲታት ከምዝሓለፉ ተዛሪቦም።

ብምዃኑ ድማ ኣዛዚ እቲ ጥሙር ሓይሊ ዝተወንጨፈ ሚሳኤል ርሕቐት በረራኡ ሓዊሱ መጀመሪኡ ዝርዝር ኩነታት ኣብ ምምርማር ከምዝርከብ ምግላፆም ኬቢኤስ ወርልድ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.