Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብሓዊ ዝተፈተኑ ሃርበኛታት ልምዓት ኢዮም-ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብሓዊ ዝተፈተኑ ሃርበኛታት ልምዓት ኢዮም ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ህዝባዊ ተሳትፎ እቲ ግድብ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ለውጢ ደሕሪ ምጅማራ መነግስቲ ነቲ ግድብ ንምዝዛም ብሙሉእ ዓቕሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ እቲ ግድብ ካብ ዝነበሮ ውስብስበ ፀገም ብምውፃእ ዘኹርዕ ደረጃ ከምዝበፅሐ ሓቢሮም።

ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብሓዊ ዝተፈተኑ ሃርበኛታት ልምዓት ኢዮም ዝበሉ ዶ/ር ኣረጋዊ፥ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ልዑል ዋዒ ኣየር ብምፅዋር ብዘይ ዕረፍቲ ይሰርሑ ኣለዉ ኢሎም።

እቲ ግድብ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተን ሰለስተን ዓማውቲ ህንፀቱ ንምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.