Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ንሰራዊት ምክልኻል ደም ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደም ለጊሶም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ሰብን ሓለዋን እቲ ቤት ፅሐፈት ኣይተ ሽብሩ ኣባዲማ ኣብቱ እዋን ከምዝሓበሩዎ÷ እቶም ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ቅድሚ ሕዚ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምግባር ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ደጀንነት ብተግባር ኣረጋጊፆም፡፡

ሎሚ መዓልቲ እውን ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ብጅግንነት እናመከተ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልገሳ ደም ምክያዶም ገሊፆም።

ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ፅሕፈት ብግደኦም÷ “እቲ ሰራዊት ክባር ህይቱ ንዓና እንትህበና ንሕና ድማ ዝነኣሰት ደምና ንመሃብ ኣይንስስዕን” ክብሉ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ንምፍራስ ካብ ውሽጢን ደገን ዝተልዓሉ ሓይሊታት ሽርሖም ብምክልኻል ህልውና ሃገር እናሓለወ ከምዝኾ ብምፅራሕ÷ “ንሕና ህልውና ሃገር ንዝሕልዉ ደም ብምልጋስና ዕድለኛታት ኢና” ኢሎም።

ካብ ልገሳ ደም ብተወሳኺ ካልኦት ሓገዛት ንምግባር ድሉዋት ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.