Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መቐለን ኣባላት ጉጅለ ገበነኛታት  ጁንታን ንምቁፅፃር ዘኽእሎ ስትራተጄክ  ቦታታት ሒዙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ህዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መቐለን ኣባላት ጉጅለ ገበነኛታት  ጁንታን ንምቁፅፃር ዘኽእሎ ስትራተጄክ  ቦታታት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ መጀመሪያ ጀሚሩ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለዎ ውግንና ኣርእዩ ኢዩ ኢሉ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓውዜን፣ ኣል ነጃሺ፣ ዓዲቀየሕ፣ ማይመሳኑንን ውቅሮን ካብ ሓይሊ ዕጡቅ ጁንታ  ሙሉእ ብሙሉእ ነፃ ገይሩወን።

እቲ ጁንታ ኢዱ ብሰላም ንክህብ መንግስቲ ዝሃቦ 72 ሰዓታት ክጥቀም ብዘይምኽኣሉ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሕ ቀፂሉ ኢዩ።

እቲ ምኽባር ሕጊ ዉፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ቀፂሉ ተወሰኽቲ ከተማታት ክልል ትግራይ ካብ ዕጡቓት ጁንታ ነፃ ክወፅኣ ክኢለን ኢየን።

ብመሰረት እዚ ብግንባር ዓድዋ ዝተንቀሳቐሰ ሰራዊት ሓውዜን፣ ኣብርሃ ኣፅብሃን ውቕሮን ዝተቖፃፀረ እንትኸዉን፥ ኣጉላዕ ኣብ ዉሽጢ ፍርቂ መዓልቲ ምቁፅፃር ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ናብ መሰቦ ይግስግስ ኣሎ።

እቲ ካልኣይ ግንባር ዓዲ ግራት፣ ስንቃጣን ኣልነጃሽን ብምቁፅፃር ዉቅሮ ኣቲዩ።

በቲ ሳልሳይ ግንባር ራያ ድማ  ዓዲ ቐይሕ፣ ሒዋነ ብምቁፅፃር ምሽጋት ሰባቢሩ ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ።

ኣብ መቐለ ዘሎ ጉጅለ ገበነኛታት ናይ ምቁፅፃር ተግባር ኣብ መዛዘሚ ምዕራፍ ዝተትሓዘ እንትኸዉን፥ እቲ ሰራዊት ግዳጁ ብኸመይ መገዲ ክፍፅሞ ከምዝግባእ እኹል ምድላው ብምግባር ነቲ ጉጅለ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.