Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ አራኤል ተስፋዬ ይታይህ፥ ነቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ኣግሮ-ፕሮሰሲንግ፣ ልምዓት ኢንዱስትሪ፣ ምፍራይ ዕደናን ጥዕናን ዘለዋ ሰፊሕ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት እውን ገሊፆም።

መንግስት ንኢንቨስትመንት ምስ ዝሃቦ ጠመተ እንትዛመድ ኣብቲ ዓውዲ ብዛዕባ ዘለዉ መተባብዒታትን ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ኮሪደራት ልምዓት ብዛዕባ ምዝርገሖምን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ሰብ ሃፍቲ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.