Fana: At a Speed of Life!

ሰነድ ኣልባ ዜጋታት ናይ ምፍላይን ሰነዳት ጉዕዞ ብእዋኑ ክበፅሖም ናይ ምግባርን ስራሕ ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጂቡቲ ዝነብሩ ሰነድ ኣልባ ዜጋታት ናይ ምፍላይን ሰነዳት ጉዕዞ ብእዋኑ ክበፅሖም ናይ ምግባርን ስራሕ ከምዝስራሕ ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኣፍሊጡ፡፡

ብዋና ዳይሬክተር እቲ ግልጋሎት ሰላማዊት ዳዊት ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ጂቡቲ ዝነብሩን እታ ሃገር ከም መሰጋገሪ ብምጥቃም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኸዱ ሰነድ ኣልባ ዜጋታት ዘለዎም ፀገም ንምፍታሕ ኢሉ እውን ኣብ ኬላ ዝግበር ቁፅፅር ምትሕብባር ንምጥንኻ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዛቲዩ፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያውያን ብግቡእ ብምፍላይን ሰነዶም ብምፅራይ ሰነድ ጉዕዞ ተሰናዲኡሎም ናብ ሃገር ናይ ምምላስ ስራሕ ዘሎ ክፍተት ንኽስተኻኸልን እዚ ድማ ዘላቒ ብዝኾነ መገዲ ንምምመራሕ ዘኽእል ስርዓት ምዝርጋሕ ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ÷ ጂቡቲ ስደተኛታት መመሓላለፊት ኮሪደር ብምዃነ ምስ ግልጋሎት ዜግነት ዝተተሓሓዙ ስራሕቲ ብፍሉይ ትኹረት ንኽስርሑ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.