Fana: At a Speed of Life!

ሱዳናዊያን ንህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገብሩ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሱዳናዊያን ንህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገብሩ ገሊፆም።

ኣብ ቀረባ እዋን ንህንፀት እቲ ግድብ ዝኸውን እቶት ንምትእኽኻብ ብፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ዕላዊ ተገይሩ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ፥ ሱዳናያን እውን ገንዘባዊ ሓገዝ እናገበሩ ይርከቡ።

እቶም ሱዳናዊያን፥ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብታን ብምትሕብባርን ብትሕግጋዝን ዞባዊ ተፋሰሳት ሩባ ኣባይ ማእኸል ጎንፂ ካብ ምዃን ማእኸል ዕቤትን ምዕለን ንምግባር እናሰርሐቶ ትርከብ ተግባር ከምዝድግፉ ገሊፆም።

ህንፀት ናይቲ ግድብ ክሳብ ዝዛዘም ዝከኣሎም ሓገዝ ንምግባር ድሉዋት ከምዝኾኑን ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ምርግጋፆምን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.