Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ተወሳኺ ሓላፍነት ሰብ ሞያታት ቢጋር እንተዘይተዳሊዩ ልዝብ ክገብር ኣይክእልን ዝብል ቅዋም ምሓዛ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትራት ማይን ሚኒስታራት ጉዳያት ወፃኢን ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ትማሊ ብመርበብ ሓበሬታ ተሓጊዞም ኣኼባ ኣካይዶም።

እቲ ኣኼባ፥ ብኣካቢነት ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ ሕብረት ኣፍሪካን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካ ኢዩተኻይዱ።

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ድርድር ዝቕፅለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኽካየድ ስምምዕነት ተበፂሑሉ ዝነበረ ሰለስተኣዊ ኣኼባ፤ ሱዳን ስለዘይተረኸበት እንተይተኻየደ ዝለዝቐረየ ኢዩ ትማሊ ዝተኻየደ፡፡

ኣዶ መንበር ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ድርድር ንኽቕፅል ይሕግዝ ኢዩ ብዝብል ሰለስቲአን ሃገራት ንሰለስተ መዓልቲታት ብሰብ ሞያታት ሕብረት ኣፍሪካ፤ ክልተኣዊ ኣኼባ ክካየዱ፣ ብምቕፃል ድማ ሰለስተኣዊ ኣኼባ ሰለስተኣዊ ኣኼባ ንኽካየድን ውፅቱ ድማ ነተን ኣዶ መንበር ንኽግለፅ ሓሳብ ኣቕሪበን፡፡

ኢትዮጵያን ግብፂን ነቲ ተቐቢሎን ንምቕፃል ዝተስማዕማዓ እንትኾና፥ ሱዳን ብዘይምቕባላ እቲ ኣኼባ በዚ ክዛዘም ክኢሉ ኢዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ፥ ሱዳን ሰለስተኣዊ ኣኼባ ከይካየድን ኣኼባታት ምስ ሰብ ሞያታት ሕብረት ኣፍሪካ ጥራሕ ንኽግበሩ ቅዋም ምሓዛ ይዝከር፡፡

ይኹን እመበር ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣኼባ ምስ ሰብ ሞያታት ሕብረት ኣፍሪካ ክልተኣዊ ኣኼባ ይግበሩ ዝብል ሓሳብ እንትቐርብ፣ ሱዳን ተወሳኺ ሓላፍነት ሰብ ሞያታት “ቢጋር” እንተዘይተዳሊዩ ልዝብ ክገብር ኣይክእልን ዝብል ቅዋም ሒዛ ኣላ፡፡

ኢትዮጵያ ሕቶታት ሱዳን ምምላስ ንኽከኣል ኣብ ድሕንነት ግድብ፣ ኣብ ልውውጥ ሓበሬታ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ቴክኒካዊ ጉዳያት መፍትሒ ንመሃብ ድሉውነታ ገሊፃ፡፡

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀፃሊ ውፅኢት እቲ ኣኼባ ንኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዘቕርብ እንትኸውን፥ ብቤት ምኽሪ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝወሃብ ኣንፈት ትፅቢት ይግበር፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.