Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ኣብ ጁባ ዝተበፅ ስምምዕነት ሰላም ኣፅዲቓቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሉኣላዊ ቤት ምኽንሱዳንን ካቢኔ ሱዳንን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ኣፅዲቑ።

ሉኣላዊ ቤት ምኽንሱዳንን ካቢኔ ሱዳንን ትማሊ ምሸት ኣብ ዘሳለጡዎ ሓበራ ኣኼባ፥ ኣብ ዳርፉር ምስ ዝርከቡ ኣመፅቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ተቐቢሎም ኣፅዲቖምዎ ዘለዉ።

እቲ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪን ካቢኔን ኣብ ሓበራዊ ኣኼበኡ ቅድሚ 10 መዓልቲ ኣብ ርእሰ መዲና ደቡብ ሱዳን ጁባ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ዘነኣደ እንትኸውን፥ ክልቲኦም ኣካላት ብምድርዳር ዝተሳተፉ ካብ ሚኒስትራት ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታትን ካልኦት ኣካላትን እውን ኣድኒቖም።

ትማሊ ኣብ ፓርላማ ሱዳን ኣድሂቡ ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ ሉኣላዊ ቤትን ካቢኔን ሱዳን፥ ብዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝተመርሐ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ድሕሪ እቲ ሓበራዊ ኣኼባ ዝወጽአ መግለፂ ከምዘመላኸቶ፥ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ዝተሳተፉ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን ተደራዳሪ ጉጅለን እቲ ስምምዕነት ሰላም ዕዉትነት ንኽኸውን ዝገበሩዎ ፃዕሪ ምስጋና ቀሪቡሎም።

ፍልፍል፦ ሱዳን ትሪቡን (sudantribune.com)

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.