Fana: At a Speed of Life!

ስልጠና ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ብብርኪ ፌዴራል ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስልጠና ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ብብርኪ ፌዴራል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይወሃብ ኣሎ።

ኣባል ፈፃሚት ስራሕ እቲ ፓርቲ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ኣብ መኽፈቲ እቲ ስልጠና ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ እቲ ሰልጠና ኣብ ሃገራዊ ለውጢን ነቲ ለውጢ ስዒቦም ዝተወሰዱ ስጉምቲታትን ብዝምልከት ዝመፅአ ውፅኢትን ቀፀልቲ ዕንቅፋታትን ብምድሃብ እቲ ኣመራርሓ ናይ ተግባር ሓድነት ንክህልዎ ዓሊሙ ዝተዳለወ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ከይዲን ፕሮግራምን እቲ ፓርቲ ናይ ሓባር ግንዛበ ንምፍጣር ዝዓለመ ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ እቲ ኣመራርሓ ድሕሪ ስልጠና ሕቶታት ህዝቢ ንምፍታሕ ዘኽእል ሙሉእ ዓቕሚ ብምውናን፥ ዓቕሚ ንምህናፅን ንቐፃሊ ሃገራዊ ተልእኾ ንምድላውን ዝሕግዝ ስልጠና ከምዝኾነ ሓቢረን።

ኣብቲ ስልጠና 329 ሰልጠንቲ ዝሳተፉ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ከም ሃገር 40 ሺሕ ሰልጠንቲ ዝሳተፍሉ መድረኽ ስልጠና ብብርኪ ሃገር ካብ ሎሚ መዓት ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 10 መዓልታት ምሃብ ከምዝተጀመረ እውን ወይዘሮ ዳግማዊት ኣፍሊጠን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.