Fana: At a Speed of Life!

ስታርት ኣፕና ናብ ዕዳጋ ንምእታው ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ስታርት ኣፕና ብህፁፅ፣ ብፅርየትን ስፍሓትን ናብ ዕዳጋ ንምእታው ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ።

ክሳብ 20 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ ኤግዚብሽን “ስታርት ኣፕ” ኢትዮጵያ ኣብ ሙዚየን ሳይንስ ንዑደተኛታት ክፍቲ ኮይኑ።

ስታርት ኣፓት ዘለዉ እወንታዊ ዕድላት ብምጥቃም ውፅኢታዊ ንክኾኑ ናይ ምድጋፍ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር) ንግዜኢ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ስታርት ኣፕ ንምድጋፍን ንምትብባዕን ዝተዘርገሐ ኣሰራርሓ ናይ ወፃኢ ስታርት ኣፕና ከምዝእንግድ ሓቢሮም።

ዕላማ እቲ ኤግዚብሽን፥ ስታርት ኣፓት ዘለዎም ፍሪያት፣ ኣገልግሎትን ምህዞን፣ ትካላት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተምሃሮን ንክርእይዎ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ሰብ ሃፍቲን ስታርት ኣፓትን ዝምድና ንክፍጠር ምግባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.