Fana: At a Speed of Life!

ስነ ስርዓት ቀብሪ ሙሁር ስነ ቑጠባ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣማኻሪ ስነ-ቁጠባ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ብምዃን ዘገልገሉ ላዕለዋይ ሙሁር ስነ ቑጠባ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ተፈፂሙ።

ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ፣ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ ሕክምና ፀኒሖም 16 ለካቲት 2012 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለዩ ይዝከር።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ፥ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ስድራ ቤቶም፣ መሳርሕቶም ዝነበሩ፣ ኣድነቕቶም ኣብ ዝተረኸቡሉ ትማሊ ኣብ መንበረ ፀባኦት ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ተፈፂሙ።

እቶም ላዕለዋይ ሙሁር ስነ ቑጠባ፥ ካብ 1970ታት ጀሚሮም ኣብ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያን ኮሞሽን ፕላንን ኣገልጊሎም ኢዮም።

ካብ ጉዳያት ኢኮኖሚ ኣማኻሪነቶም ብተወሳኺ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ብምዃን እውን ኣገልጊሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.