Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሳይንቲስት ጉዳያት ሓለዋ ከባቢ ዶ/ር ተወልደ ብርሃን ገብረእግዚኣብሔር ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሳይንቲስት ጉዳያት ሓለዋ ከባቢ ዶ/ር ተወልደ ብርሃን ገብረእግዚኣብሔር ሎሚ ኣብ ካቴድራል መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ተፈፂሙ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርና ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ፣ ስድሮምን ፈተውቶምን ተረኺቦም፡፡

ዶ/ር ተወልደብርሃን ገብረእግዚአብሔር ካብ ወላዲኦም ቀሺ ገብረእግዚኣብሔር ዮሃንስን ካብ ወላዲቶም ወይዘሮ መዓዛ ወልደመድህንን ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓድዋ 12 ለካቲት 1932 ዓ.ም ተወሊዶም።

ብመፅናዕቲን ምርምርን ብዝሃ ህይወት ንሃገሮምን ዓለምን ዝጠቅም ኣስተዋፅኦ ብምብርካቶም ብዙሓት ዓለም ለኸ ሽልማታት ረኺቦም ኢዮም።

ኣብ ዓውዲ ሓለዋ ከባቢ ብዝገበሩዎ ምርምር፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2000 “ራይት ላይቭሊሁድ ኣዋርድ” ከመኡ እውን  ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2006 ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጉዳይ ሓለዋ ከባቢ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ሰባት ዝህቦ ሽልማት “ቻምፒዮንስ ኦፍ ዘ ኧርዝ” ወይ እውን “ጅግና እዛ መሬት” ካብ ሞንጎ ዝረኸቡዎም ዓለም ለኸ ሽልማታት ይፅርሑ።

ፍሉጥ ሳይንቲስት ኩዳይ ሓለዋ ከባቢ ዶክተር ተወልደብርሃን ገብረእግዚአብሔር ብዝሓደሮም ሕማም ብሕክምና እናተሓገዙ ፀኒሖም ትማሊ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለዩ ይፍለጥ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.