Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ መሰራቲት ሆስፒታል ፌስቱላ ኢትዮጵያ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ተፈፂሙ።

ስነ-ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ዶክተር ካትሪን ሃምሊን፥ ስድራ ቤተን፣ ዘመድ ኣዝማድን ፈተውቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ መንበሪ ገዝአን ሎሚ ንጉሆ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።

ስነ-ስርዓት ቀብረን ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ተፈፂሙ ኣሎ።

ዶክተር ካትሪን ሃምሊን፥ ኣብ 96 ዓመተን 9 መጋቢት 2012 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለያ ይዝከር።

ዶክተር ካትሪን ሃምሊን፥ ፌስቱላ ኢትዮጵያ ዝበሃል ትካል ገባሪ ሰናይ ብምጥያሽ ንልዕሊ 60 ዓማውቲ ግልጋሎት ሕክምና ፌስቱላ ሂበን ኢየን።

ኣብዚ ሰናይ ተግባር ተዋፊረን ፀገም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝፈትሓ ዶክተር ካትሪን፥ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ክብሪ ዜግነት፣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክብሪ ዶክትሬትን ካልኦት ዓለም ለኻዊን ሃገራዊን ሽልማታትን ተበርኪቱለን ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.