Fana: At a Speed of Life!

ስዑድ ዓረብ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ንግዲን ኢንቨስትመንት ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስዑድ ዓረብ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ንግዲን ኢንቨስትመንት ንምጥንኻር ከምትሰርሕ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ፋህድ ኦቤዱላህ ኣል ሃሚዳኒ ገሊፆም።

ኣብ ሞንጎ ስዑድ ዓረብን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዝርከብ እቶም ኣምባሳደር ተዛሪቦም።

ሰብ ሃፍቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታ ሕርሻ፣ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳትን ካልኦትን ዘለዎም ተሳትፎ ክልቲአን ሃገራ ዘለወን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ዘመላኽት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነትን ክልቲአን ሃገራት ብመንፅር ዘለወን ዓቕሚ ንግዲን ኢንቨስትመንትን አዕርዩ ከምዘይዓበየ ብምግላፅ እዚ ድማ ክመሓየሽ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ነዚ ስዒቡ ስዑድ ዓረብ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ንግዲን ኢንቨስትመንት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዋን እቲ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምትሰርሕን ኣረጋጊፆም።

ስዑድ ዓረብ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ትገብሮ ተሳትፎ ኢንቨስትመንት፥ ካብ ምፍራይ ዝራእቲ ሕርሻ ጀሚሩ ፍርያት ናብ ወፃኢ ንግዲ ክሳብ ምቕራብ ዝዘልቕ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.