Fana: At a Speed of Life!

ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ብቫይረስ ኮረኖ ዝተለኸፉ ሕሙማት ንምቕባል ዘኽእሎ ስራሕቲ ምዝዛሙ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ብቫይረስ ኮረኖ ዝተለኸፉ ሕሙማት ንምቕባል ዘኽእሎ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ምውጋኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ሆስፒታል ቫይረስ ኮሮና ሃንደበት ናብ ውሽጢ ዓዲ እንተኣትዩ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሕሙማት ንኸተኣናግድ ብሚኒስቴር ጥዕና ከምዝተሓረየ ይፍለጥ።

ብምዃኑ ድማ ዝተማልአ ማሽን ህክምናን ሓሙሽተ ተሓከምቲ ቫይረስ ኮሮና ከተኣናግድ ዝኽእል ማእኸል መለዓሊ ሕሙማትን ብምፍላይ ምድላዉ ምግባሩ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ዶክተር ታምሩ ኣሰፋ ገሊፆም።

ኣብቲ ማእኸል ንዝሰርሑ 40 ሰራሕተኛታት፥ ኣብ ሕክምና እቲ ቫይረስን ስራሕቲ ቅድመ ጥንቃቐን ምክልኻልን ዘድሃበ ስልጠና መዕበዪ ግንዛበ ከምዝተውሃበ እውን ተዛሪቦም።

ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ዘሎ ግንዛበ ንምስፋሕ ድማ ብሮሸራትን በረርቲ ፅሑፋትን ብምሕታም ኣብቲ ክሕከሙ ንዝመፅኡ ሰባት ብመሃብ ይኹን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቃዕ ካልኦት ዜጋታት ግንዛበ ንኽህልዎም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከባ 13 ሆስፒታላት፣ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መጓዓዚያ ባቡርን ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን 5 ሺሕ ንቅድመ ምክልኻል ዝሕግዝ መሕፀቢ ኢድ ኣለኮል፥ ብክፍሊ ግልጋሎ ፋርማሲ እቲ ሆስፒታል ተመሪሑ ክዝርጋሕ ምግባሩ እውን ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፅ ናይቲ ሆስታል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.