Fana: At a Speed of Life!

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ትሕቲ 18ን 20 ን ዓመት ሎሚ ክዛዘም እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዛምቢያ ንዶላ እናተኻየደ ዝፀንሐ 2ይ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ትሕቲ 18ን 20 ን ዓመት ሎሚ መዓልቲ ክዛዘም እዩ።

ኣብ መዕፀዊ እቲ ሻምፒዮና÷ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ብዝተፈላለዩ ርሕቐታት ክሳተፉ ኢዮም፡፡

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ ስጉሚ 5 ሺሕ ሜትሮ ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ኣበቡ ኣያሌው ካአይቲ ብምውፃእ ንሃገራ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኣ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ክሳብ ሕዚ÷ 6 ሜዳሊያ ወርቂ፣ 8 ሜዳሊያ ብሩርን 3 ሜዳሊያ ነሓስን ኣኪባ ትርከብ፡፡

17 ሜዳሊያታ ብምርካብ ካብ ተሳተፍቲ ሃገራት ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.