Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ መንግስቶም ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ሓሰን ዳያብ መንግስቶም ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ኣፍሊጦም።

በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ከተማ በይሩት ዘጋጠመ ኣዕናዊ ምፍንጃር ነትጒ ልዕሊ 220 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር።

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ነትጒን ብናይ መንግስቲ ግብረመልሲን ዝተቖጥዑ ሊባኖሳውያን ኣንፃር እቲ መንግስቲ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለው።

ዋላ’ኳ ድሕሪ እቲ ነትጒ ዓርባዕተ ካቢኔ ሚኒስትራትን ብዙሓት ኣባላት ባይቶን ካብ መዝነቶም እንተወረዱ ነቲ ቊጥዐ ግን ከዝሕሎ ኣይከኣለን ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ሓሰን ዳያብ፥ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ 2 ሺሕን 750 ቶን ክብደት ዘለዎ ኣሙኒዮም ናይትረይት ዝተብሃለ ተባራዒ ባእታ ከምዝኾነ ድሕሪ ምሕባሮም እቲ ባእታ ኣብ ወደብ በይሩት ኣብ ሓደ መኻዚኖ ን6 ዓመታት ብዘይውሑስ ኣገባብ ተኸዚኑ ከም ዝነበረ ተዛሪቦም።

እቲ ሓደገኛ ዝኾነ ኬሚካል ኣብ ማእኸል ወደብ በይሩት ተኸዚኑ ንምፅንሑ ብዙሓት ሊባኖሳውያን ኣገሪሚዎም ኣሎ።

ሊባኖሳውያን መራሕቶም ኣብ ከቢድ ብልሽውና ተቖማጦም፤ ስራሕ ኣልቦነት፣ ምንሃር ዋጋ መሰረታዊ ሃለቕቲ ከምኡ’ውን ዝደስከለ ቁጠባ እታ ሃገር ብዝግባእ ክፈትሕዎ ብዘይምኽሎም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘለዎም ቁጠዐ ክገልፁ ፀኒሖም ኣለው።

ስለዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ሓሰን ዳያብ መንግስቶም ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ትማሊ ምሸት ኣብ ብሄራዊ ጣቢያ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ብምቕራብ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣባላት ካቢኔኦም ብሙሉኦም ብናይ ገዛእ ርእሶም ድልየት ካብ መዚነት ከምዝለቐቑ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሓሰን ዳያብ ምልቃቕ ስልጣን መንግስቶም ዝገልፅ ደብዳበ ናብ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሚሼል ኣውን ኣረኪቦም።

እቲ ደብዳበ ዝተቐበሉ ፕሬዚዳንት ሓዱሽ ካቢኔ ክሳብ ዝጣየሽ ካቢኔ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓሰን ብግዚያውነት ኣብ ስልጣን ንክፀንሕ ከምዝሓተቱ እውን ተሓቢሩ።

ፍልፍል፥ bbc.com

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.