Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲትን  ዘቲዮም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ፥ እቶም መራሕቲ ኣብ ክልቲኣዊ ዛዕባታት፣ ንግዲን ዘርገሐ መሰረተ ልምዓትን ምልዛቦም ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ጉዳያት ሳላምን ድሕንነትን ቀጣና ምብራቕ ኣፍሪካ ምዝታዮም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ(ዶ/ር) ”ሓበራዊ ተረባሕነት ዘለና ጎረባብቲ ሃገራት ብምዃንና መትሕብባርና ብዘይ ምቁራፅ ክንቅፅል ኢና” ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ንሓደ መዓልቲ ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ መእታዎም ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.