Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያውያን ብዝተሓባበረ ቅልፅም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ፈልሲ ንኽተኽሉ  ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያውያን ብዝተሓባበረ ቅልፅም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ፈልሲ ንኽተኽሉ  ፀዊዖም።

4ይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል እፅዋት ጉለሌ ተጀሚሩ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን፣ ነበር ፕሬዚዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ፣ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መህመትን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ “ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብዕዉት ኩነታት እናተሳለጠ ዝፀንሐ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዓበይቲ ነገራ ምጅማር ጥራሕ ዘይኮነስ ክትውድእ ትኽእል ሃገር ከምዝኾነት ንዓለም ዘርአየትሉ ኢዩ” ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያውያን ብዝተሓባበረ ቅልፅም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ፈልሲ ንኽተኽሉ ፃውዒት ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ 100 ፈልሲታት ናይ ምትካል ምንቅስቓስ ዕላዊ ገይሮም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝተሓበረ፥ ኣብዚ ዓመት “ሓምለዋይ ኣሰርና ንወለዶና” ብዝብል መሪሕ ቃል ሽዱሽተ ቢሊየን ፈልሲ ከምዝትከል ተገሊፁ፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ፥ ኣብዚ ዓመት ብሓፈሻ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት መርሃ ግብሪ ንምስኻዕ ዝተተለመ 20 ቢሊየን ፈልሲ ናይ ምትካል ሽቶ ከምዝዕወት ኣፍሊጦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ብሰለሰተ ዙር 20 ሚሊየን ዜጋታት ብምስታፍ 18 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ተገሊፁ።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.